ሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያ ክሳብ 11 ዝዕድሚኦም ቆልዑ ከይተረፈ ብግዲ የዐስክር ከምዘሎ ድምጺ ኣመሪካ ንሓበሬታ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ መርኩስ ብምግባር ኣካፊሉ። እቲ ግዱድ ዕስክርና ኣብ’ታ ዕጥቃዊ ተቛውሞታት ሰሪቱላ ዘሎ ክልል ኦሮሞ ሓለፋ ዝምዝገብ ዘሎ ኾይኑ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ እዉን ተመሳሳሊ ተርእዮታት ተለሚዱ ከምዘሎ እቲ ማዕከን ዜና ይሕብር።
ትሕቲ ዕድመ ብግዱ እንዳተወስዱ ናብ መሳርዕ ሰራዊት ፈደራል ይጽንበሩን ኣብቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራን ኦሮሞን ዘካይዶም ወፍርታት ይሳተፉን ከምዘሎ እዩ እዋናዊ ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰኣት እታ ሃገር ዘመልክት። እቲ ኮሚሽን ኣብ’ቲ ጸብጻቡ፡ ኣብ ከተማ ሸሸመኔ ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል ንኽዕስክሩ ምስ ዝተኣኣከቡ እሱራት ወዲ 11 ዓመት ቆልዓ ከምዝረኸበ ከም ኣብነት ጠቒሱ ኣሎ።
ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮሞ መንእሰያት ብግዲ ናይ ምዕስካር ወፍሪ የጽዕቚ ከምዘሎ ፡ ኣዲስ ስታንዳርድ ካብ ነበርቲ እታ ክልል መጽዩኒ ንዝበሎ መረረታት መርኩስ ብምግባር ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሓቢሩ ኔሩ’ዩ።
ኣብቲ ናይ ግዱድ ዕስክርና ወፍሪ ዝተቓወሙ መንእሰያት ሻቡ ይእሰሩ ከምዘለዉ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ፡ ወለዲ ንመንእሰያት ደቆም ካብ ግዱድ ዕስክርናን ማእሰርቲን ንምሕዋይ ልዑል መጠን ገንዘብ ይኸፍሉ ምህላዎም የረድእ።
ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞ ነቲ ጉዳይ ሻቡ ኽነጽጎ ዝተራእየ ኾይኑ፡ እቲ ህዝባዊ መረረ ግን ይቕጽል ምህላዉ እዩ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ሓቢሩ። ኣብ ዝዓበያ ክልልት ብዝገጠሞን ዝገጥሞ ዘሎን ዕጥቃዊ ተቛውሞታት ብዙሕ ይሃልኽን ይዳኸምን ምህላዉ ዝንገረሉ ሰራዊት ፈደራል፡ መሳርዑ ንምድልዳል ብዙሕ ፈተነታት የበግስ ምህላዉ እዩ ዝዝረብ።
መራሒ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቈመና ሰራዊቱ ንምድልዳል ፣ ነቲ ኣብታ ሃገር ሰሪቱ ዘሎ ጥሜትን መጠኑ ዝሓለፈ ስራሕ-ኣልቦነትን ናብ ረብሓኡ ከውዕሎ ይረአ ምህላዉ ክሕበር ጸኒሑ እዩ። ስራሕ ተባቲኽዎም ኣብ ሕሱም ድኽነትን ጥሜትን ዝወድቊ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ከስዐኦም ንምምላእ ብብዝሒ ናብ ሰራዊት እታ ሃገር ይጽንበሩ ከምዘለዉ እዉን ክዝረብ ጸኒሑ እዩ።
ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ኩናት ትግራይ ዝተዳኸሞ ወተሃደራዊ መሳርዑ ሂወት ንምዝራእ ንሰብኣዊ ቅልዉላዉ ህዝቢ እታ ሃገር ይምዝምዞ ከምዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት፡ ከም ሳዕቤኑ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ናይተን ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ኢትዮጵያ ዝርከባ ክልላት ናብ ሰራዊት ክዕስክሩ ምጽንሖም የረድኡ።