ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራዉያን ኣብኣብ ዘለዉዎ ሃገራትን ከተማታትን ወጻኢ ኾይኖም ኮማዊ ውዳቤታት የሰስኑን የሐይሉን ብምህላዎም ፡ ሻቕሎት ህግደፍ መመሊሱ ይዛይድ ኣሎ።
ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ተራ ኤርትራውያን ማሕበረኮማት ኣብ ስደት ኣዝዩ ልዑል ከምዝነበረን፡ ኣብ ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ ገዚፍ እጃም ከምዝተጻወተን ጽቡቕ ጌሩ ዝፈልጥ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ ድማ ነታ ሓርነታን ቅዋማን ሰሪቚ ዘባድማ ዘሎ ሃገርና ንምድሓን ብዝቃለሱ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ዝደላደሉ ማሕበረኮማት እንታይ ዓይነት ጽልዋ ክህልዎም ከምዝኾነ ኣጸቢቚ ስለዝፈልጥ እዩ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቚ ዝርከብ።
ደለይቲ ፍትሒ ኮማዊ መሳርዖም ከደልድሉ ኣንተጀሚሮም ካብቲ ንመሓዉራዊ ንጠፈታት ህግደፍ ደዉ ንምባል ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ዝዓቢ ስግኣት ክፈጥሩ ከምዝኽእሉ ኣጸቢቚ ተረዲዎ ዘሎ ህግደፍ: ነዚ ተበግሶታት እዚ ብኣጉኡ ንምቚጻዩ ዝተፈላለዩ ሽርሕታት የውፍር እኳ እንተሎ ፡ በብዝመጾ ይፈሽል ምህላዉ እዩ ዝንገር።
ደለይቲ ፍትሒ ኣኣብ ከባቢኦም ኮማት ከደልድሉ እንተኽኢሎም፡ ንቃልሶም በተደጋጋሚ ኪገማምዑ ንዝጸንሑ ዉዲታት ህግደፍ ባይታ ዘስእኑ ብምዃኖም ፡ ሓያል ማሕበረኮማት ደለይቲ ፍትሒ ምፍጣር ማለት ቃልሲ ሓርነት ብዝሓየለ ዉዳቤን ሓባራውነትን ንኽግስግስ ውሑስ ባይታ ምፍጣር ማለት ስለዝኾነ፡ እዚ ንህግደፍ ፍጹም ከደቅሶ ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ።
ኣብ ደንበ ፍትሒ ብሓፈሻ ኣብ ጨናፍራት ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ድማ ብፍላይ ዝሕይል ዘሎ ኮማዊ ንጥፈታት ፡ ንቐጻልነትን ገስጋስን ደለይቲ ፍትሒ ዘይነዓቕ ተራ ከምዝህልዎ ይንገር።
ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ናይ ስፖርቲን ባህልን ንጥፈታት እንዳሰርዓ ኪንዮ ፖለቲካዊ ጽምዶታት ዝኸይድ ኩሉዓይነታዊ ውህደት ኣብ ምውሓስ ይነፍዓ ምህላወን ድማ ብተግባር ይርአ ኣሎ። ዝሕይል ዘሎ ኮማዊ ንጥፈታት፡ መንእሰያት ፍትሒ መንፈስ ብጻይነት ኣረጋጊጾም ፡ ተቓሪቦምን ተኣማሚኖምን ኽቃለሱ ዝገብር ኾይኑ፡ እቶም ንጥፈታት ኣብ ምዝያድ ፍናንን ወኒን ቃልሲ መሪሕ ጽልዋ ክህልዎም’ዩ።