ኮሚቴ ድሕነት ጋዜጠኛታት ማለት CPJ ንብዝሒ እሱራት ጋዜጠኛታት ዓለምና ኣመልኪቱ ኣብ ዘካፈሎ ናይ ዓመተ 2024 ጸብጻብ: ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ : ኤርትራ ብግብጺ ጥራይ ተመሪሓ ካልኣይ ደረጃ ፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ብቻይና፡ እስራኤል፡ ምያንማር፡ ቤላሩስ፡ ሩስያን ግብጽን ጥራይ ተቐዲማ መበል 7ይ ደረጃ ሒዛ ምህላዋ ክፍለጥ ተኻኢሉ ።
ብመሰረት እቲ እዋናዊ ጸብጻብ ቻይና 50፡ ምያንማር 43፡ ቤላሩስ 35፡ ሩስያ 30፡ ግብጺ 17፡ ኤርትራ 16፡ ኢራን 16፡ ቬትናም 16፡ ከምኡ’ዉን ኣዘርባጃን 13 ጋዜጠኛታት ብምእሳር እየን ኣብ ቀዳሞት ዓሰርተ ተሰሪዐን ዘለዋ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ፍልይ ዘብሎ :እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ኣብ ዓለም እቶም ንዝነውሐ ዓመታት ተኣሲሮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ምዃኖን ጥራይ ከይኣክል: ንኣበየ-ህላዌኦም ዝምልከት ዛጊት ዝኾነ ወግዓዊ ሓበሬታ ዘይምህላዉ እዩ።
ፈረንሳ ዝመደበሩ ተሓላቒ ትካል ግዜጠኛታት ብዘይዶብ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይዚ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዘካፈሎ ተመሳሳሊ ጸብጻብ እዉን: ኤርትራ ብመልከዒታት ነጻነት ፕረስ ካብ 180 ሃገራት ናይ መበል 18 ወኒና ትቕጽል ከምዘላ ጠቒሱ ኔሩ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዘይ ዝኾነ ክስን ፍርዳዊ መስርሕን ዛጊት ሓዪርዎ ዘሎ ዓሰርተታት ጋዜጠኛታት ነቲ ኣብ ምድቋስ ነጻነት ፕረስ ዝኽተሎ ኣካይዳታት ዘመስክር ከምዝኾነ ዝፍለጥ ኮይኑ : ከም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል:ኣህጉራዊ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት፡ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ : ኮሚቴ ንድሕነት ጋዜጠኛታትን ካልኦት ኣህጉራውያን ማሕበራትን ዓመት መጸ ኣብ ዝዝርግሕዎም ጸብጻባት : ንነጻ ፕረስ ኣብ ምቕታል ካብ ዝሰርሑ ዘለዉ ወገናት: ንጉጅለ ህግደፍ ብቐዳምነት’ዮም ክጠቕስዎ ዝረኣዩ።
ንዘሎ ጭቡጥ ሓቅታት ብኹዱኑ ምንጻግ እንተዘይኮይኑ: መርትዖታት ቀሪቡ ኪምጒት ዘይደፍር ጉጅለ ህግደፍ : ነዚ ኮሚቴ ድሕነት ጋዜጠኛታት ይዂን ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ከምኡ’ዉን ካልኦት ተሓለቕቲ ኣካላት ብጉዳይ ነጻ ፕረስን ምሕያር ጋዜጠኛታትን ኤርትራ ዘውጽእዎ ጸብጻብ ሻቡ ኪነጽጎ እዩ ዝርአ። ከምኡ’ ስለዝኾነ ድማ እዩ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ነቲ ኮሚተ ድሕነት ጋዜጠኛታት ኣውጺዩዎ ዘሎ ጸብጻብ ዓመታት ዝሞተ ክሲ ክብል መሊሱ ዘሎ።