ህግደፍ ፡ ብዛዕባ መለኽቲ ስርዓታት ኣመላኺዖም እንተጸሓፉን እንተጐስጐሱን፡ ሽሞምምን ንኡስ ተፈላጥነቶምን ከይሕከኾም ንዘይግድሶም ወጻኣተኛታት ጸሓፍቲን ጋዜጠኛታትን ገንዘብ ከፊሉ ብሓሶት ምስኩርለይ ካብ ምባል ኣየዕረፈን።
ምስ ምዕራባዊ ዓለም ቅሉዕ ጽልኢ ዘለዎም ምሁራት: ጋዜጠኛታት : ማዕከናት ዜናን መጽናዕታዊ ትካላትን ኣለሊኻ ናይ ምዕሳብ ሜላ ፡ ህግደፍ ብዝሓየለ መልክዑ ይሰርሓሉ ኣሎ።
እቶም ዝዕሰቡ ወጻእተኛታት : ብዛዕባ ልምዓትን ገስጋስን ኤርትራ ዘየለ ሓበሬታ ከራብሑ: ንዘየለ ተወፋይነትን ብልሂን መራሒ ህግደፍ ኽንእዱ: ኣብ ኤርትራ ሰሪቱ ዘሎ ኩሉዓይነታዊ ሕሰምን ግህሰትን ሓሶት ምዃኑ ኪገልጹ ወይ ድማ ብሰንኪ እገዳታት ሃገራት ምዕራብ ዝሰዓበ ከምዝኾነ ክምጒቱ: ኸምኡ’ዉን ኣብ ስደት ዝሕይል ንዘሎ ተግባራዊ ቃልሲ ደንበ ፍትሒ ከጸልሙ ይረኣዩ ኣለዉ።
ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ጸገም ሓቀኛ ሓበሬታ ንዘካፈሉ ጸሓፍቲ: ጋዜጠኛታትን ማዕከናት ዜና: መንግስታትን ኣህጉራዉያን ኣካላትን ሻቡ ኪጻረፍን ኪታረኽን ዝርአ ሚኒስተር ዜና ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረመስቀስል: ንጽሑፋት እቶም ብዛዕባ ጽባቐን ሓልዮትን ህግደፍ ዘየለ ሓበሬታ ዝሕንጥጡ ወገናት ግን ከም ዓቢይ ርኽበት ኣብ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ሒሳባቱ ክጥቅዖም ምርኣይ ልሙድ እዩ።
ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝጠፈሹ ጸሓፍቲ: ደረስቲ ፡ ምሁራት ፡ ኣካየድቲ ማዕከናት ዜና ኣንዳለለኻ ብቚራቦ ክፍሊት ብዛዕባ ህግደፍ ጠጥዕሙ ከዕልሉ ምርኣይ: ህግደፍ ክሳዕ ክንደይ ኣብ ዝተሓተ ባይታ ወሪዱ ምህላዉ ዘመላኽት እዩ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንኩሉዓይነታዊ መሰላት ህዝቢ ዝግህስ ዘሎ እንዳተባህለ ብኹለን ኣህጉራዉያንን ዞባውያንን ተሓለቕቲ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝውቀስ ዝፍለጥ ኮይኑ : እቲ ስርዓት ግን ነቶም ወቐሳታት ብድሎ ኪነጽጎም እምበር ዝኾነ ነጻ ወገን ናብ ኤርትራ ኣትዩ ኣብ ባይታ ንዘሎ ኩነታት ከይምርምር ከልኪሉ ይርከብ።