ህግደፍ ዋላ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኲናት እንተዘይኣተወ : ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምቅዳዉ ንኤርትራ ክህልዎ ብዛዕባ ዝኽእል ስግኣትን ዘይልኩዕ ምስሊ እንዳሃበ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ናይ ኣይኲናት ኣይሰላም ሃዋህዉ ንምግዛኡ ነዊሕ መደብ ሰሪዑ ምህላዉ ምንጭታት ደጊሞም ሓቢሮም።
ብዘይካዚ: ኣቢይ ዝመርሓ ናይ ዘሎ ኢትዮጵያ ጸጥታዊ ዉድቀት ናብ ንቡር ንኽምለስ ዓመታት ከምዘድሊዮ ገሚቱ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ፡ ነቲ ኲነታት ከም ቀጻሊ ስግኣት ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ኣንቢሩ፡ ዘቤታዊ ጠለባት ስርዓተ-ሕጊን ዝሓሸ ምሕደራን ህዝቢ ኤርትራ ምላሽ ኸይርከቦም ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።
ኣቐዲሙ ብምስምስ ዶባዊ ምስሕሓብ ምስ ህ.ወ.ሓ.ት ንዝተኣትወ ዘየድሊ ኲናት ብምምኽናይ ፡ ንልዕሊ 20 ዓመት ፡ መላእ ህዝቢን ሃገርን ንቐጻሊ ዉትህድርና: ሕሰም መነባብሮ: ድጎናን መስጎጒቲን ብምቅላዕ ፡ ዕድመ ስልጣኑ ከናዉሕ ዝጸንሐ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ: ሕጂ’ዉን ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ሕንፍሽፍሽን ነቲ ካብ ኣቢይ ኣሕመድ ዝናፈስ ዘሎ መርገጺታትን ከም ስቡሕ ምኽኒት ወሲዱ ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓድሽ ናይ ክተትን ተጠንቀቕን ህሞት ኸርዲኑ ፡ ንዝተናዉሐ ዘቤታዊ መግዛእቲ ኪፈርዶ ሓሊኑ ይርከብ።
ህዝቢ ኤርትራ ህግደፍ ብብዝሽርሖም ጸገማት እንዳተገድዐ ንልዕሊ 30 ዓመታት ግዳይ ዘየቋርጽ ስደት: ኲናትን ድሕነትን ይኸዉን ከምዘሎ ዝፍለጥ ኾይኑ: ናይ ወያነ ምኽኒት ተወዲኡ እንዳተባህለ ሕጂ ድማ ምስቲ ብዘይቅንዕና ዝተመሓዘዎ ኣቢይ ኣሕመድ ተዃርዩ : ንህዝቢ ኣብ ዘይነጽፍ ስግኣትን መግዛእቲን ከብሊ ይዳሎ ኣሎ።
ኣብ ማያት ቀይሕ-ባሕሪን ብቐንዱ ድማ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝብእስ ዘሎ ወተሃደራዊ ህልኽ እዉን ንህግደፍ ካልእ ተወሳኺን ዝገዘፈን ምኽኒት ከምዝኸዉን ብዙሓት ወገናት ይሰማምዑ።