ምስ ኣብይ ኣሕመድ ብምልፋን ንዝሓለፈ ልዕሊ 4ተ ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስዉር ናይ ስለያን ጭውያን መርበባት ዘርጊሑ፡ ኲናት ክመርሕን ዜጋታት ክስውርን ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ድሕሪ”ቲ ብሰኑይ 27 ጥሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተካየደ ኣዚዩ ግዙፍ ሰሚናር ሰመያዊ ማዕበል፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዘሎ ህዝቢ ከርዕድ ናይ ምጽንጻን ስርሓቱ ብዝሓየለ የካይድ ምህላዉ ምንጭታት ኤሪፒኤም ካብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ገሊጾም።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዓቢ ሰሚናር ሰመያዊ ማዕበል ንምክያድ ይሕሰብ ምህላዉ ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ብመንገዲ”ቶም ብከባቢታትን ምምሕዳራትን ዝቆሙ ናይ ምጽንጻን ጉጅለታቱ ኣቢሉ፡ እቲ ዝሕሰብ ዘሎ ሰሚናር ሓደገኛ ናይ ገበን መጻወድያ ምኳኑን፡ ደቅኩም ሃገር ንምሻጥ ኣብ ዝካየድ ሰሚናር ከይርከቡ ኣጠንቅቅዎምን እንዳበለ፡ ስድራቤታት ዘሻቅል ወረታት ክዝርግሕ ምቅናዩ ዝገለጹ ምንጭታት ኤሪፒኤም፡ ይኩን እምበር እቲ ዝተሓስበ ሰሚናር ካብ ትጽቢት ወጻኢ ልዕሊ 3000 መንእሰያት ዝተሳተፍሉ ድሙቅ ጽምብል ኮይኑ ምዝዛሙ፡ ኣብ ህዝቢ ዝተፈልየ ናይ ተስፋ ስምዒት ክዓስል ጌሩ ምህላዉ”ዩም ዝገልጹ።
ብምትላል ዝነብር ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ቅድሚ ሳልስቲ ናይቲ ግዙፍ ሰሚናር ኣትሒዙ፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ብምዝርራብ ነቶም ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ፡ ንወራሪ ሓይሊ ዝተቃወሙን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ደው ዝበሉን ደለይቲ ፍትሒ ንምህዳን ይሰርሕ ከምዘሎን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውን በቲ ሓበሬታ መሰረት ከምዝሰጎጎምን ዝነግሩ ዜናታት እንዳፈነወ፡ መንእሰያት ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ካብቲ ሰሚናር ክርሕቁን፡ ብፍርሒ ክሕቡኡን ዝከኣሎ እኳ እንተደከመ፡ እቲ ሰሚናር ግን ካብ ግምት እቲ ዓማጺ ጉጅለ ወጻኢ ብዝኮነ ድምቀት፡ ብኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ማሚቁ ብምክያዱ፡ ህግደፍ ንዝገጠሞ ውርደቱ ናብ ህዝቢ ኣቅኒዑ፡ ምስ ብርጌድ ንሓመዱ ይደናገጹ”ዮም ዝበሎም ዜጋታት ንምህዳን ሰፊሕ ናይ ምጽንጻን ተግባራቱ ይቅጽል ምህላዉ እቲ ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የርድእ።
ተቃለስቲ ውሽጢ ዓዲ ኣብ መልእክቶም፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ድባብ ሰሚናር ሰመያዊ ማዕበል፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዓቢ ኣቃልቦ ረኪቡ ምህላዉን፡ ናይዚ ሳልስቲ ግዙፍ ዕላታት ህዝብኒ ውን ሰሚናር ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ምህላዉን ዝገለጹ ኮይኖም፡ ይኩን እምበር ውርደቱ ምስካም ከቢድዎ ዝርከብ ህግደፍ ኣብ ገለ ዜጋታትና ናይ ታህዲድ ስጉምቲ ንምውሳድ ይጸናጸን ብምህላዉ፡ ዜጋታት ኣብ ምንቅስቃሳቶም ምስ መን የዕልሉ ምህላዎም ክጥንቀቁን ኣብ ቃላቶም ጥንቃቀ ከዘውትሩን ከምዝግባእ ኣዘካኪሮም ።