ህግደፍ ኣብ ከተማ ባጽዕ ንመኸተ ንዳሎ ብዝብል ቃናታት ኣኬባታት የካይድ።
ንኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ መሪሑ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተራእዩ ዘይፈልጥ ህልቂት ዝፈጸመን፡ ኢትዮጵያ ንከይትብተን ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ጠቢሱ፡ ካብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብውርደት ዝተሰጎን ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ንዝመጸና ዘሎ መከተ ንዳሎ ዝብል ቃናታት ዝሓዘለ ኣኬባታት ከቃንዕ ምቅናዩ ምንጭታትና ገሊጾም ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ ንነበርቲ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ዘሳተፈን፡ ኣብ ዕለት 26 ክሳብ 27 ጥሪ ብካድራት ህግደፍ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ እንዳተመርሐን ዝተካየደ ኣኼባ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሌና ጥልመት ፈጺማ እንዳበለ ክጣራዕ ድሕሪ ምውዓሉ፡ ህዝቢ ንኩሉ እንተታት ክዳሎ ኣለዎ ዝብል ናይ መጠንቀቅታ መደረታት ምክያዱ”ዮም ምንጭታትና ኣብ ሓበሬቶኦም ዝገልጹ።
ኣብቲ ኣኬባ፡ ኢትዮጵያ ንኸይትፈርስ ክንቃለስ ምጽናሕና ዝፍለጥ”ዩ ዝበሉ ካድራት ህግደፍ፡ ይኩን እምበር መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ውሽጣዊ ሽግሮም ንምፋታሕ ዘድህቡን ንኣበርክቶና ሞሳ ዝህቡን፡ ብኣንጻሩ ውሽጣዊ ሽግሮም ብግዳማውያን ሓይልታት ተደፋፊኦም ናብ ብጺሒት ባሕርን ወደብን ብምቁማት፡ “ውሽጣዊ ሽግርና ኤርትራ ኢያ” ናብ ምባል ህውተታ ብምእታው ነብሶም ከድሕኑ ብዘይምኽኣሎም፡ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ መጨረሻ ጫፍ ምፍራሳ ምብጽሓ ድሕሪ ምግላጾም፡ ከም ጎረቤት መጠን ናይ ኢትዮጵያ ምፍራስን ምብትታንን ሃፈጽታ ክፈጥር ስለዝኽእል፡ ሃገር ንምክልኻል ብዝሓየለ መልክዕ ክንውደብን ክንምክትን መድረክ ይጽውዓና ኣሎ ብምባል፡ ህዝቢ ጌና ሽግራቱ ከምዘይተወደአን ገና ንመከተ ክዳሎን ምሕባር፡ ንዘይውዳእ ቃና መከተን ምስቁርቋርን ክደጋግሙ ምፍታኖም፡ ህግደፍ ሕጂ ውን ንወረ ኲናት ከም ኣሳሪ እስትራተጂ ክጥቀመሉ ይህቅን ምህላዉ”ዮም ምንጭታትና ዝሕብሩ።
ይኹን እምበር ቀንዲ ምስጢር ኣኼባ ካድራት ህግዲፍ፡ እቲ ድሕሪ 2ወርሒ ክብተን”ዩ ዝበልዎ ሓርነታዊ ንቕሎ መንእሰያት ሰመያዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብወኒ ይዓብን ይብርክን ብምህላዉ፡ ነቲ ዝረበሾ ዘሎ ዛዕባ ንምጥምዛዝን፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክትወረና”ያ ኣብ ዝብል ስጋኣት ሸሚምካ ሓርነት ክጽየን ንምግባሩን ዝዓለመ ከምዝኮነ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ይኩን እምበር ህዝቢ ነቲ ዝከይድ ዘሎ ፍሹል ትረካታት ህግደፍ ዘይከምዝሓለፈ ጸማም እዝኒ ይህቦ ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።