ኣመሪካዊ ጸሓፍን ናይ ታሪኽ ተመራማርን ዝኮነ ዶክተር ማይክል ሩቢን፡ ትማሊ ኣምስዩኡ ምስ ተለቪዥን ኤሪፒኤም ኣብ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለመሕተት፡ መንግስቲ ኣመሪካ ነቶም ኣብ ኣስመራ ተሓቢኡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምጽናት ንዝደክም ዘሎ ዝመሽመሸ ስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ዝሰርሑ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ክትድግፍን፡ ኩሉንትናዊ ሓገዝ ክገብረሎምን ይግባእ ክብል ገሊጹ።
ዶ/ር ማይክል ሩቢን ኣብ መግለጺኡ፡ ልክዕ ከምቲ ብባይቶ ኣመሪካ ዝጸደቀ “ምሕራር ዒራቅ” ዝተሰምየ ሕጋዊ ሰነድ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ውን ንናጽነት ኤርትራውያን ዝውዕል ሕጊ ብባይቶ ኣመሪካ ክጸድቅ እዋኑን ሰዓቱን”ዩ ድሕሪ ምባሉ፡ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ዝኣረገን ዝመሽመሸን ስርዓት ብምኳኑ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ሓጺር ግዜ ስርዓተ ለውጢ ዘይተርፍ”ዩ ክብል”ዩ ሪኢቱኡ ኣቀሚጡ ዝርከብ።
ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብዚ ሰዓት እዚ ተንቀሳቃሲ ሬሳ”ዩ ብምባል፡ ንዝማህመነ ቁመና እቲ ውልቀመላክን ጉጅሉኡን ዝገለጸ ዶ/ር ማይክል ሩቢን፡ ኣብ ደገ ተዓቊቦም ክንሶም መሳርሒ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኖም ዝርከቡ ውልቀሰባትን፡ ናይ ሓሶት ህዝባውያን ትካላት እቲ ጉጅለን፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዝቀርብሉ ግዜ ርሑቅ ከንዘይኮነ ውን”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ስርዓት ህግደፍ ናይ ማፍያ ስርዓት ምኳኑ ዝጠቀሰ ኣመሪካዊ ጸሓፍን ናይ ታሪክ ተመራማርን ዶር ማይክል ሩቢን፡ ኣመሪካ ቅድሚ ሕጂ ዓበይቲ ማፍያታት ንምውዳቅ ዝተጠቅመትሉ ሕጊ ተከቲላ፡ ነዚ ናይ ኣስመራ ውልቀመላኪ ጉጅለ ብተመሳሳሊ ሕጓዊ መስርሕ ካብ ስራሕ ወጻኢ ክትገብሮ ከምዝኽኣል”ዩ ሓቢሩ ዝርከብ።
ምእላይ ውልቀመላኪ ኢሰያስ ክውን ንምግባር ደለይቲ ፍትሒ ምስ ተወከልቲ ህዝብን ኣክበርቲ ሕግን ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ዘዘካከረ ዶር ሩቢን፡ ደለይቲ ፍትሒ ተሰማዕነቶም ዝያዳ ንምዕዛዝ ብሓባር ኮይኖም ክሰርሑን፡ ምስ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝገብርዎ ርክባት ውን ናይ ሓባር ግንባር ክፈጥሩን ኣገዳሲ ሙዃኑ”ዩ ዘዘካክር።
ኣብ መደምደምታ ዲሞክራስያውያን መራሕቲ ዕድመ ስልጣኖምን መዓስ ከምዝወርዱ ይፈልጡ እዮም ዝበለ ዶክተር ማይክል ሩቢን፡ ውልቀመለኽቲ ግን ኩሉ ግዜ ክትስኡ እንከለዉ፡ ሎሚ ዶ ትኸውን ካብ ስልጣን ዝወርደላ እንዳበሉ ከምዝሳቀዩን፡ ናይ ኢሰያስ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ውን ትመጽእ ምህላዋን ጠቂሱ፡ ንዓመታ “ህዝቢ ኤርትራ ምስ ናጻ ኤርትራ” ዝራኸብሉ ዓመት ክኸውን ምንዮቱ ብምግላጽ ቃለምሕተቱ ዛዚሙ።